Tuesday, 19 June 2018

3ይ መንፈሳዊ ዋዕላ

ኣጽራረ ሃይማኖት

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ንኡስ ሃገረ ስብከት ኔዘርላንድ: እንሆ ሎሚውን ዓቢ መንፈሳዊ ጉባኤ ኣብ ኣጽራረ ሃይማኖት ዘተኮረ "ካብዚ ቄናን ወለዶ ደሓኑ"(ግብ:2:40) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል(ቴማ) ኣካይደን።

ኣብዚ ጉባኤ ካብ ዝነበሩ ዛዕባታት ምስ እንምልከት:-

1, ዕላማ ኣጽራረ ሃይማኖት ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ

2,ዝሕብኡሉ መሽጎራጉራት ኣበይን ብኸመይን

3,ዝነበረን ዘሎን ህልው ኩነታት ኣጽራረ ሃይማኖት

4,ካብ ኣጽራረ ሃይማኖት ብኸመይ ንሕሎ


ዝብሉ ዛዕባታትን ካልኦት ሰፋሕቲ መግለጺ  ዝተዋህቦም ኣጀንዳታትን መብርሂ ድሕሪ ምሃብ።
ናይ ዕለቱ መዝሙር ብናይ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት መዘምራን ቀሪቡ። ቀጺሉ ኣርእስቱ ዝሓለወ ስነ ጽሑፍ ተዋሂቡ።

ኣብ መወዳእታ ብናይ ን/ሃ/ስ/ኔ ሊቀ ካህናት ቀሺ ሳምሶም ማኢል ምክረ ኣበውን ተግሳጽን ለበዋን ድሕሪ ምሃብ መደብ ብጸሎት ተዛዚሙ።
ነዚ ዝገበረ እግዚኣብሔር ስሙ ዝተመስገነ ይኹን።










No comments:

Post a Comment

3ይ መንፈሳዊ ዋዕላ ኣጽራረ ሃይማኖት በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!! ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበታት ንኡስ ሃገረ ስብከት ኔዘርላንድ: እንሆ...